mardi 13 septembre 2016

[Gisti-info] ዑቕባ አብ ፈረንሳ [Fiches «asile» du Gisti traduites en Tigrinya]

www.gisti.org/asile-en-france
Les fiches du Gisti : «Comment demander l'asile en France» traduites en Tigrinya


ዑቕባ አብ ፈረንሳ



ከይደ አስራርሓ አቀባብላ ስደተኛ ካብ 2015 ጀሚሩ ተለዊጡ አሎ።ስብ ስልጣን ፖለቲካ ዝተመሓየሽ አሰራርሓ ተገይሩ አሎ እናበሉ'ኳ እንተተዛረቡ ሎሚውን እንተኸነ ዝተወሳሰበን ብቐሊሉ ዘይርዳአካን ኸይኑ ይርከብ።

እዚ ጉዳይ እዚ ብቅልጡፈ ፍታሕ ክረከበሉ ይግባእ ምክንያቱ ብኣማቲ ዝቑፅሩ ሓተትቲ ዕቕባን ስደተኛታትን በዚ እዋን እዚ አብ ብዘሕ ፀገም ዝርከብሉ ኹኔታት አቀባብላን ኣለሻ ምምሕዳራዊን ፍትሓዊን ምትሕባበርን፣ ዝተወሰኑ ፍጹም ሓገዝ ኣብ ዘይረኽብሉ ማእከላት ተሰዲዶም ነይሮም፣ ብዙሓት ድማ ኣብ ዝባኣሰ ኹኔታ ኣብ መንገዲ ወዲቆም ይርከቡ፣ ስለዚ ገዛ መንበሪ ንኹሉ ብቕሊሉ ክዋሃብ ከም ዘይተኽኣለ ምርኣይ ይከኣል :: ዓላማ ናይ እዚኦም ጽሑፋት ሕቶ ዑቕባ ከመይ ጌርካ ክተቐረብ ከምዝግባእ፣ ግቡእ መሰልካ ከመይ ክተኽብር ከምዝትኽእልን ከምኡ ድማ ምምሕዳር ፈረንሳ ዘለዎ ዝተወሳሰበ ኣሰራርሓ ተረዲእኻ ብጥንቃቐ ንምክያድ ንምኽኣል እዩ ::

መተሓሳሰቢ -* ንመንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ዝትህብዎ ሰነድ ዶኩመንት ኹሉሻዕ ኮፒ ኣቕሪኹም ሓዙ -* ኦሪጂናል ዶኩመንት ፈጺሙ ከይትህቡ

ዝትፈላለዩ ህዝባዊ ማሕበራት ዝጥርንፍ እሞ ሓተትቲ ዑቕባ ዘለዎም መሰል ብዝምልከት ሓበሬታ ዝህብ ብዞም ዝስዕቡ ተመስሪቱ አሎ (ATMF, Dom'asile, Gisti, Cimade, Elena)

ናይ ስራሕ ሰዓት፣

ሶኒን ረቡዕን ካብ ሰዓት 14 ክሳብ 18 አድራሻ ፣ 10 rue Affre, 75018 Paris




0 Comments: